Sunday , May 5 2024
Miakel Damberg (left), and Anders Ygeman (right). Credit: Christine Olsson/TT

ሽወደን፥ ኣባይቲ ዩክሬናውያን ስደተኛታት ንምህናጽ ቢልዮናት ክሮና መዲባ።

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ባጀት ዝመጽእ ጽድያ ንኣባይቲን ካልእን ወጻኢታት ስደተኛታት ዩክሬይን ንምሽፋን ናይ 9.8 ቢልዮን ክሮና ክትምድብ ምዃና ሚንስተር ፋይናንስ ሚካኤል ዳምበርግ ብሓሙስ ገሊጹ። ሚኒስተር ስደትኛታት ኣንደርስ ይገማን ብወገኑ ሽወደን ዘላቕነት ዘለዎ ጽንዕ ዝበለ ስደተኛታት ናይ ምቕባል ፖሊሲ ክህልዋ ኣለዎ ኢሉ። ሽወደን ዩክሬናውያን ስደተኛታት እትቕበለሉ ዘላ ኣገባብ ንሓደ ዓመት ናይ መንበሪ ፍቓድ ብምህናህ እዩ ተባሂሉ’ሎ።.

ኲሎም ቆልዑ ስደተኛታት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ክሳተፉ ኲሎም ዕድሜኦም እዂል ዝኾኑ ኸኣ ናብ ስራሕ ንኽዋፈሩ ይሰርሑ ምህላዎም እቲ ሚኒስተር ገሊጹ’ሎ። 

እዚ እናኾነ ኣብ ስቶክሆልም ዩክሬናውያን ንምሕጋዝ ሙዚቃዊ ምርኢት ክካየድ ምዃኑ ተገሊጹ። 

ማዕከን ሓገዝ ዩክሬይን ንምስሳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሙዚቃዊ ምርኢት ልዕሊ 20 ዝኾኑ ስነጥበባውያን ሽወደን ክሳተፉ እዮም። ጽባሕ ቀዳም ኣብ ስቶክሆልም ኣኒንች ኣሬና ኣብ ዝካየድ ሙዚቃዊ ምርኢት ካብ መሸጣ ቲኬት ዝርከብ ኣታዊ ናብተን ዩክሬናውያን ንምሕጋዝ ዝንቀሳቐሳ ዘለዋ 6 ውድባት ኣታዊ ክግበር እዩ። ኣብዚ ሙኢቃዊ ምርኢት ካብ ዩክሬይን እተሰደ ወዲ 17 ዓመት ደራፋይ ክሳተፍ እዩ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com