Thursday , May 2 2024

ሽወደን፥ ግዳያት ወቕዒ ብቚጽሪ ይንክዩ

The Riksdag has decided that discarded cigarette butts should be able to give a fine. (AP Photo/Mark Lennihan, File)

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቁጽሪ ናይቶም ብወቕዒ ዝሳቐዩ ሰባት ከምዝነከየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 78% ሕደጋ ወቕዒ ዘጋጠሞም ካብ ሞት ምድሓኖም ተገሊጹ። እዚ ምንካይ ብኸፊል ሳላ ዝሓሸ ናይ ምክልኻል ኣገባባት ምዃኑ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ክኢላ ወቕዒታት ኣናስታስያ ሲሚ ገሊጻ። ከም ምጒዳል ልዑል ጸቕጢ ደምን ስብሒ ሻንብቆ ደምን ነዚ ውጽኢት ምኽንያታት እዮም ብመሰረት መግለጺ ሲሚ። ዝሓለፈ ዓመት 25100 ሰባት ሕማም ወቕዒ ከም እተራእዮም እዚ ድማ ምስ ቅድሚኣ ዝነበረት ዓመት እንክወዳደር ብ 300 ዝውሕድ እዩ። እንተኾነ 5600 ሰባት ብሰንኪ ወቕዒ ምሟቶም፥ እዚ’ውን ምስ ቅድሚኣን ዝነበረት ዓመት ብ 300 ዝውሕድ ምዃኑ ተመልኪቱ። ብዕድመ ድፍእ ዘበሉን ሕማም ልቢን ዘለዎምን ሰባት ብፍላይ ብሕማም ወቕዒ ናይ ምጥቃዕ ተርእዮ ከም ዘሎ፥ በዚ ሕማም ካብ ደቀንስትዮ ደቂተባዕትዮ ብብዝሒ ከም ዝጥቅዑ ሲሚ ትገልጽ። እቲ ቁጽሪ ካብ መፋርቕ 2000 ጀሚሩ ብፍርቂ ከምዝነከየ ካብ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ዝተረኽበ ስታቲስቲክስ ወሲኹ ይሕብር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com