Saturday , May 4 2024

ሽወደን ብዛዕባ ዕንወት ሻምብቆታት ኖርድ ስትሪም ዝነበራ መርመራ ዓጽያ

Credit: Swedish Coast Guard via AP

ሽወደን ንዕንወት መስመር ጋዝ ትሕተ ማይ “ኖርድ ስትሪም” ኣመልኪታ እተካይዶ ዝነበረት መርመራ ተዓጽዩ። እዚ ዝተገብረሉ ምኽንያት ኣብያተ ፍርዲ ሽወደን ኣብዚ ጉዳይ ሕጋዊ ስልጣን ስለዘይብለን እዩ። እቲ ኣብ ኣህጉራዊ ማያት ዝርከብ ሻምብቆ ጋዝ ትሕቲ ማይ፡ ቅድሚ ዓሚ ኣብ ወርሓ መስከረም መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ዓቃቢ ሕጊ ማትስ ልዩንቪስት ሽወደን ምስቲ ፍጻመ ዝኾነ ምትእስሳር እንተለዋ ከጻሪ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ነይሩ እዩ፡፡ እንተኾነ ግና እዚ ንምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ ተረጋጊጹ’ሎ። እንተኾነ ግና ብጀርመን ዝምራሕ መርመራ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ መስከረም 2022 ኣብ ልዕሊ ንኖርድ ስትሪም 1ን 2ን ዝተኸስተ ዕንወት ከም ዝፈጸሞ ዛጊት ኣይተፈልጠን። ዓቃቢ ሕጊ ማትስ ልዩንቪስት፡ “ቀንዲ ዕላማ ተልእኾኡ ኣብዚ መጥቃዕቲ ሽወደናውያን ተሳቲፎም እንተኾኖም ወይ መሬት ሽወደን ነዚ ውዒሉ እንተኾኑ ንምፍላጥ ከምዝነበረ ገሊጹ’ሎ። እንተኾነን ግና እዚ ካብ ሕጋዊ ስልጣን ኣባተ ፍርዲ ሽወደን እዩ ክብል ደምዲሙ እዩ። ኣብ ክንድዚ ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን–ሳፖ–ብዛዕባዚ ጒዳይ ኣመልኪቱ ዝኣከቦ ሓበሬታ ንኻልኦት ሃገራት ከምዘካፈለ ገሊጹ’ሎ። ሰበስልጣን ጀርመንን ዴንማርክን ነቲ ብ26 መስከረም 2022 ኣብ ምብራቕ ደሴት ቦርንሆልም ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ መስመራት ጋዝ ንሰለስተ መስመራት ጋዝ ዘዕነወ ተኸታታሊ ፍንጀራታት ክሳብ ሕጂ ይምርምራ ኣለዋ። ሳፖ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተረኺቡ ነዚ ጀርመን እተካይዶ ዘላ መርመራ ከርብሖ ከም ዝኽእል ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም ኣለዉ። ሳፖ፡ እቲ መርመራ ንምዕጻው ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ሰበስልጣን ሽወደን ነቲ ጉዳይ ብዝያዳ ክስዕብዎ ከምዘይክእሉ ስለ ዝደምደመ ምዃኑ ኣመልኪቱ’ሎ። እቶም ሻምብቆታት ብናይ ሩስያ ዓቢ ትካል ጋዝ ጋዝፕሮም ዝተሃንጹ እኳ እንተነበሩ፡ ጀርመን ኣብ ለካቲት 2022 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ኣጠቓላሊ ወራርድሕሪ ምፍጻማ ሒደት መዓልታት ጸኒሓ ነቲ ፕሮጀክት ደው ብምባላ፥ ኖርድ ስትሪም 2 ኣብ ጥቕሚ ኣይወዓለን። መራኽብ ሩስያ ቅድሚ እቲ ፍንጀራ ኣብ ዝነበራ መዓልታትን ኣዋርሕን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ኣከራኻሪ ምንቅስቓስ ከምዝተሳተፋ እዩ ዝግለጽ። ሞስኮ ነቲ ዕንወት ከም ጉዳይ ኣህጉራዊ ግብረሽበራ ብምጥቃስ፡ ንኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ወቒሳ’ላ። ዩክሬን ኣብዚ ጒዳይ ዝኾነ ኢድ ከምዘይብላ ድሕሪ ምግላጽ፡ደጋፊ ዩክሬን ዝኾነ ጉጅለ ነቲ መጥቃዕቲ ውዒልዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ግና ግምታ ኣቐሚጣ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com