Sunday , May 5 2024
Foto: Jessica Gow / TT kod 10070

ሽወደን ናብ ዩክሬይን ኣጽዋር ክትልእኽ እያ።

ሽወደን ጸረ-ታንክ ሚሳይል ቊራዕ ርእሲን ድርዒ ሰብነትን ዘጠቓልል ወተሃደራዊ ሓገዝ ናብ ዩሬይን ክትልእኽ ምዃና ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ትማል ሰንበት ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጻ።

ሕብረት ሶቭዬት ን ፊንላንድ ኣብ 1939 ካብ እተጥቅዕ ንደሓር ሽወደን ናብ ዓውደ ኲናት ናይ ኣጽዋር ሓገዝ ክትልእኽ ሕጂ ንመጀመርታ ግዜኣ እዩ።

“ከም ቀዳመይቲ ሚኒስተር ንዓይ ዘሕስበኒ ንህዝቢ ሽወደን ጸጥታዊ ረብሓኡ ዝሕልወሉ ኣየናይ ውሳነ እዩ ዝብል እዩ። ዩክሬይን ንወራር ሩስያ ክትከላኸል ምሕጋዝ እቲ ዝበለጸ ጸጥታዊ ረብሓና ዝሕሉ ውሳነ እዩ ኢለ ደምዲመ ኣለኹ ” ክትብል ኣንደርሾን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com