Saturday , May 4 2024
Foto: Duygu Getiren / TT kod 12080

ሽወደን ንዩክሬይን እትገብሮ ሓገዝ ከተደንፍዕ እያ።

ሰራዊት ሩስያ ናብ ዶብ ዩክሬይን ብምጽግዑ ኣህጒራዊ ወጥሪ ተኸሲትሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን ሚኒስተር ኣህጒራዊ ልምዓትን ምትሕብባርን ሽወደን ማቲልዳ አርንክራንስ ናብ ርእሰ ከተማ ዩክሬይን ምብጻሕ ምፍጻማ ተገሊጹ። ንሳ ነቲ ኣብ ዩክሬይን ብሽወደን ዝተገብረ ናይ 234 ሚልዮን ክሮና ወፍሪ ማሕበራዊ ልምዓት ኣመልኪታ ንምዝርራብ እያ ናብ ኪዬቭ ኣምሪሓ ተባሂሉ’ሎ። ንሳ ኣብ ኪዬቭ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ዩክሬይን ኢሪና ቨረሽቹክ፥ ቀይሕ መስቀልን ካልኦትን ትካላት ከም እተዘራረበት ዝገለጸት እታ ሚኒስተር እዚ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ንዩክሬይን ኣብ ዝመጻ ሸውዓተ ኣገዳሲ ምዃኑ ንሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። “ንዩክሬይን እንህቦ ሓገዝ ከነደንፍዕ ኢና። እዚ ክንገብር ዝወሰንና ንዩክሬይን ኣገዳሲ ስለዝኾነን ዩክሬናውያን ኣባና እምንቶ ከሕድሩ ከም ዝኽእሉ ብግብሪ ከነርኢ ስለ እንደሊን ኢና” ክትብል እታ ሚኒስትር ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com