Sunday , May 5 2024
Credit: Paul Wennerholm/TT

ሽወደን ን ወራር ሩስያ ኮኒና።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሰን ን ፕረሲደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲንን ወራሩን ኣበርቲዓ ከም እትዂንን ገሊጻ። ቭላድሚር ፑቲን ሰራዊት ሩስይ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ንኽፍጽም ትማሊ ምእዛዙን ኣብ ዩክሬይን ሓያል ኲናት ይቕጽል ምህላዉን ዝፍለጥ እዩ።

“ፕረሲደንት ፑቲን ኣብ ዩክሬይን ዘካይዶ ዘሎ ወተሃደራዊ ስርሒት ብቕጽበትን ብዘይቅድመ ኲነትን ደው ኣቢሉ ሰራዊት ክስሕብ ንጠልብ” ክትብል ንዩክሬይን ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ’ላ። ብዘይካዚ ወራር ሩስያ ንኽቕልበስ ን መንግስቲ ዩክሬይንን ኣውሮጳዊ መሻርኽታን ዘለዋ ደገፍ ኣበርቲዓ ክትቅጽለሉ ምዃና ቃል ኣትያ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com