Sunday , May 5 2024
Foto: Beate Oma Dahle / NTB

ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርዌይ ንዜጋታት ኣጠንቂቑ።

ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣውሮጳውያን ዜጋታት ምስ ሰራዊት ዩክሬይን ኮይኖም ኣንጻር ወራር ሩስያ ክዋግኡ ዘቕረቦ ጻውዒት ኣመልኪቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ዮናስ ጋህር ስቶር ዜጋታት ኖርዌይ ናብ ዩክሬይን ቅድሚ ምኻዶም ክልተ ሳዕ ክሓስቡ ከም ዝግባእ ኣጠንቂቑ።. ስቶር ብ TV 2 ኣቢሉ ነቶም ናብ ዩክሬይን ብምኻድ ኣንጻር ወራር ሩስያ ክንቃለስ ኢና ዝብሉ ዜጋታት ንጹር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

“ኣጸቢቕኩም ክትሓስቡሉ ይግባእ፡ ኲናት ቅጽበታዊ እዩ” ክብል ስቶር ገሊጹ’ሎ።

ሓፈሻዊ ጠበቓ ሲግሪድ ሬድሰ ዮሃንሰን ን TV 2 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ናብ ካልእ ሃገር ኬድካ ምውጋእ ብሕጊ ኖርዌይ ከም ገበን ከም ዘይቊጸር እንተኾነ ኣብ ጎድኒ ወተሃደር ካልእ ሃገር ምውጋእ ማለት ናቶም ዩኒፎርም ምኽዳን ከምኡውን ኣብ ትሕቲ ሕጎም ተገዛኢ ምዃንን ኲሉ ክወርድ ዝኽእል ሓደጋታት ኣብ ግምት ምእታውን ዝሓትት እዩ’’ ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ኖርዌጃውያን ን ግላውያን፡ ዘይመንግስታውያን ውድባትን ግብረሽበራውያንን ትካላት ወኪሎም ክዋግኡ ብሕጊ ዘቕጽዖም ምዃኑ ዮሃንሰን ወሲኹ ኣመልኪቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com