Monday , May 13 2024
Pakistan's Prime Minister Imran Khan delivers a speech during the UNHCR - Global Refugee Forum at the European headquarters of the United Nations in Geneva, Switzerland, Tuesday, Dec. 17, 2019. (Salvatore Di Nolfi/Keystone via AP) KSOB123

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ብ ኮቪድ-19 ተለኺፉ

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ዒምራን ኻን ብ ኮቪድ-19 ከም እተታሕዘ ንጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢራ።

68 ዝዕድሚኡ ዒምራን ኻን ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ኣሎ ክብል ሚኒስተር ጥዕና ፓኪስታን ፈይሰል ሱልጣን ኣብ ዝኸተቦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሓቢሩ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ቅድሚ ምዃኑ ኮኾብ ተጻዋታይን ካፕቴንን ጋንታ ክሪኬት ዝነበረ ዒምራን ኣብ ነሓሰ 2018 እዩ ነቲ መዝነት ተረኪቡ። ቅድሚ ክልተ ዓመታት ቀዳማይ ክታበቱ ዝወሰደ ዒምራን ሎሚ በዚ ሕማም ተታሒዙ ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ።

ፓኪስታን ዛጊት 13799 ዜጋታታ ብኮቪድ-19 ምሟቶምን ልዕሊ 623 ሽሕ ድማ ምሕማሞምን ጃን ሆፕኪንስ ዩኒቨርሲቲ ይሕብር።

ህሉው ክታበት ዋላኳ ኮቪድ -19 ንምክልኻል ዘኽእል ዓቕሚ ኣብ ምምዕባል ዝሕግዝ እንተኾነ እዚ ግና ሰሙናት ክወስድ ከም ዝኽእልን ተኸታባይ ኣብ መንጐ እዚ ግዜ ክልከፍ ዕድላት ከም ዘሎን ክኢላታት ጥዕና ይገልጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒምራን ብዙሓት ሰባት እተረኽቡሎም ኣኼባታት ኣብ ከተማ ኢዝላማባድ ክሳተፍ ምጽንሑ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብዚ ጉባኤታት ዒምራን ብዘይ ማስክ ይረአ ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ ብዓርቢ ንድኻታት ንምሕጋዝ ተባሂሉ እተሃንጸ ፕሮጀክት ኣባይቲ ክምርቕ ተራእዩ ኔሩ ኢሉ።

ዒምራን ኻን ብሓሙስ ፍርያት ቻይና ዝኾነ ክትባት ሲኖፋርም ወሲዱ ኔሩ እዩ። ሰዓልን ረስንን ምስ ተራእዮ እዩ ተመርሚሩ በቲ ሕማም ከም እተለኽፈ ተፈሊጡ። ይዂንምበር ዛጊት ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ጥዕና ኣሎ ክብል ኣማኻሪኡ ገሊጹሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com