Thursday , May 2 2024

ቀዳምነት ክታበት ኮሮና፡ ንትሑት ኣታዊ ዘለዎም ሰባት ክወሃብ ተሓቢሩ

በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ንምምሕዳራት ሽወደን ኣብ ዘመሓላለፎ መምርሒ፡ ቀዳምነታት ክታበት ኮሮና፡ ነቶም ትሑት ኣታውን ትሑት ደረጃ ትምህርትን ዘለዎም ሰባት ክወሃብ ከምዘለዎን ናይ ቀዳምነት ቀዳምነታት ድማ ብመሰረት ዕድሚኦም ክኸውን ከምዝግባእ ሓቢሩ። እዚ መምርሒ ንኽትግበር ግን፡ ብዙሕ ስራሕ ከድልዮ ምዃኑ ኣንድሽ ቲግኒል ክብል ከምዝገለጸ ሬድዮ ኢኮት ኣቃሊሑ።

ኣብ መንጎ ሳንኩፍ ክፋል ሕብረተሰብ ዘሎ ማሕበራውን ቁጠባውን ፍልልይ ንምግምጋም ብጣዕሚ ከቢድ እዩ ክብል ኣብ ምምሕዳር ስኮነ ዝርከብ ኣወሃሃዲ ክታበት፡ ፒር ሆግስታም፡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com