Sunday , May 5 2024
(AP Photo/Jean-Francois Badias) XTC102

ቀጽሪ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንነፈርቲ ሩስያ ካብ ክሊ ኣየሩ ኣጊዱ።

ኣውሮጵዊ ሕብረት ትማል ሰንበት ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ሓደስቲ ተረርቲ ውሳነታት ኣጽኒዑ’ሎ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩኬይን ወራር ብምፍጻማ ዝኾነነ እቲ ሕብረት ነፈርቲ ሩስያ (ወተሃደራውያን ይዂና ሲቪል) ኣብ ክሊ ኣየር ቀጽሪ ኣውሮፓዊ ሕብረት ከይበራ እገዳ ኣንቢሩ’ሎ። ብዘይካዚ ኣብ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝፍነዋ ማዕከናት ዜና ሩስያ ክዕጸዋ ተጌሩ’ሎ።

ብተወሳኺ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንሰራዊት ምክልኻል ሩስያ ገንዘባዊ ድጋፍ ብምግባር ከዕጥቖ ከምኡ’ውን ንመሻርኽቲ ሩስያ ዝኾነት ቤላሩስ ንወራር ሩስያ ብምስላጣ እገዳታት ክጽዕነላ ከም እተሰማምዐ ፕረሲደንት ኮሚሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡርሱላ ቮን ደር ሊየን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

ሚኒስተራት ጒዳያት ወጻኢ እቲ ሕብረት እንተላይ ናይ ሽወደን ኣን ሊንድ ንሩስያ ካብ ዓለምለኻዊ ስርዓተ መተዓዳደጊ ስዊፍት ንኽትእገድ ድጋፎም ሂቦም ኣለዉ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com