Thursday , May 2 2024

ቀ/ሚ ኡልፍ ክሪስተርሰን ዜጋታት ህድእ ክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ገዚፍ ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒቡ ዝርከብ ናዕቢ ስቶክሆልም፡ ብዛዕባ ሽወደን ኣብ ካልኦት ሃገራት ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከስፋሕፍሕ ምኽንያት ኮይኑ ምህላዉ ተገሊጹ። እዚ ንድሕነት ሽወደን እውን ዘጠቓልል ናይ ሓሶት ሓበሬታ ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ብቕድሚ ትማል ምሸት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ። ሰሉስ ምሸት ክሪተርሰን ምስ መራሕቲ ኲሎም ፖለቲካውያን ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን (ሪክስዳግ) ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ህሉው ጸጥታዊ ኲነታት ሽወደን ሓበሬታ ምሃቡ፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

እዚ እናኾነ፡ ሰብመዚ ሽወደን ኣብታ ሃገርን ኣብ ወጻኢን ምስ ዝርከቡ እስላማውያን ውድባት ይዘራረቡ ኣለዉ።  ብተመሳሳሊ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ሽወደን፡ ምስ ኣባላት ምምሕዳር ባይደን ንምዝታይ ናብ ዋሺንተን ከም ዘምርሐ፡ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com