Monday , May 13 2024
Credit: Johan Nilsson/TT

ቆልዑን መንእሰያትን ኣባይቲ ክንክን ናብ ጎነጽ ክቃልዑ ይግበሩ ምህላዎም ተገሊጹ።

ኣብ ግዱድ ኣባይቲ ክንክን መንእሰያትን ዝሰርሑ ኣባላት፡ ቆልዑን መንእሰያትን ናብ ጎነጽ ክቃልዑ ይገብሩ ምህላዎም ሎሚ ብ ተቖጻጻሪ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ዝወጸ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብዚ ጎነጽን ኣስገዳዲ ስጒምቲታትን ብፍላይ ደቀንስትዮ ዝያዳ ግዳያት ይኾና ምህላወን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ ኣባይቲ ግዳያትወልፊ ዕጸፋርስ ወይ ገበን ዝኾኑ ወይ ፍርዲ ዝተበየኖም ከም ዝቕመጡሎም ዝፍለጥ እዩ። እዚ ብ ተቖጻጻሪ ጥዕናን ማሕበራዊ ክንክንን ዝወጸ ጸብጻብ፡ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ዝተኻየደ ምክትታል ዝተዳለወ ኮይኑ፡ ጽማቚ ትሕዝቶኡን ደቀንስትዮ ፍሉይ ኣቓልቦ ክግበረለን ዝብል ለበዋኡን  ንመንግስቲ ቀሪቡ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com