Saturday , May 4 2024

ቊጽሪ ህጹጽ እዋን ሽወደን ብርክት ዝበለ ጻውዒታት ተቐቢሉ።

ቊጽሪ ህጹጽ እዋን ሽወደን 112፡ ብለይቱ ብርክት ዝበሉ ጻውዒታት ኣብ ምምላስ ተጸሚዱ ምሕዳሩ ተገሊጹ። እቲ መስመር ብጸዋዕቲ ብጻዕቂ ተታሒዙ ብምንባሩ፡ ገለ ተገልገልቲ ነቲ መስመር ክረኽቡ ከም እተሸገሩ፡ እንተኾነ ግና እቲ ሽግር ሕጂ ተፈቲሑ ምህላዉ ጸብጻብ ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪቱ።.

ኣብ ለይቲን ወጋሕታን ነቲ መስመር ንምርካብ፡ ብማእከላይ ገምጋም፡ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ደቓይቕ ከም ዝወስድ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com