Monday , May 6 2024

ቊጽሪ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ኣጸቢቑ ይንኪ

ኣብ ሽወደን ቁጽሪ ሓደስቲ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ነክዩ። ሓደ ምኽንያት ድማ እቲ ብዝፍለጥ መከላኸሊ መድሃኒት ምዃኑ ሰደቓ ሳይንስ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺቡ። ኣብ ሓደ ናይ ስቶክሆልም ክሊኒክ ጾታዊ ጥዕና፡ ቁጽሪ ሓደስቲ መልከፍቲ ዓመታዊ ካብ 50 ናብ ትሕቲ 15 ምውራዱ ኣብ ሆስፒታል ስቶክሆልም ግብረሰዶማዊ ጾታዊ ርክብ ንዝፍጽሙ ሰባት ዘማኽር ዶክተር ፊን ፍሊያን ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ገሊጻ’ላ። ኣብ ሽወደን 8 ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ምስ ኤችኣይቪ ቫይረስ ከም ዝነብሩ ጸብጻባት ጥዕና እታ ሃገር የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com