Thursday , May 2 2024
Credit: Sara Nuder/Sveriges Radio

ቊጽሪ መመልከቲ “ፍቓድ ስራሕ” ክብረ ወሰን ይሕዝ።

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ ሽወደን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 4000 ዝኾኑ ሰባት ፍቓድ ስራሕ ይሓቱ ምንባሮም ተገሊጹ። እዚ ኣሃዝ ካብቲ ዝጸንሐ ብዕጽፊ ዝዛይድ እዩ። ፍርቂ ናይዚ መመልከቲ ስራሕ ልዑል ሞያ ኮይኑ ፡ ኣስታት 70% ኲሉ ናይ ስራሕ መመልከቲ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።

“ዝተፈላለየ ባህልታትን ሃገራትን ክርኢ እደሊ እየ፥ ስድራይ’ውን ሕራይ ኢሎምኒ ኣለዉ” ክትብል ናብ ሽወደን ዓሚ ዝኣተወት ኣዳላዊት ሶፍትዌር ሳራያና ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com