Monday , May 6 2024
Credit: Anders Wiklund/TT

ቋንቋ ስጳኛ ብዙሓት ተመሃሮ ሽወደን ክመሃርዎ ዝድልዩ ልሳን ወጻኢ ይኸውን ኣሎ።

ቋንቋ ስጳኛ፡ ብዙሓት ተመሃሮ ሽወደን ክመሃርዎ ዝድልዩ ናይ ወጻኢ ልሳን ይኸውን ኣሎ። ብፍላይ ድማ ኣብ ሻድሻይ ዓመት ካልኣይ ደረጃ ዘለዉ ተመሃሮ፡ ብብዝሒ ይመርጽዎ ኣለዉ። ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ ኣብ ሽወደን ኣዝዮም ተፈተውቲ ዝኾኑ ናይ ስጳኛ ተኸታተልቲ ፊልምታት፡ ሙዚቃን ጋንታታት ኲዕሶ እግሪን ምዃኖም ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። በዚ ድማ 13ን ልዕሊኡን ዝዕድሜኦም መንእሰያት፡ ነቶም ቅድሚ ሕጂ ልሙዳት ዝነበሩ ቋንቋታት ፈረንሳን ጀርመንን እናራሕርሑ፡ ናብ ቋንቋ ስጳኛ ይኸዱ ምህላዎም፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ነዚ ቋንቋ ዝመርጹ ተመሃሮ ኣዝዮም ብምብዝሖም፡ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ደቆም ናብ ፈረንሳይኛ ወይ ጀርመንኛ ንኽቕይሩ ከተባብዑ ንወለዲ ምሕታታ፡ P3 Nyheter ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com