Sunday , May 5 2024

በዓልመዚ “ከኒናታት ኣዮዲን ምውሳድ ጠቕሚ የብሉን”

ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኣትሒዙ ኣብ ሽወደን ከኒናታት ኣዮዲን ዝወስዱ ዜጋታት ቊጽሮም ብናህሪ ምውሳኹ ኣፖትያ ዝተባህለ ብኦንላይን ዝዓዪ ኣፍራዪ መድሃኒት ኣፍሊጡ። ተመሳሰልቲ ፍርያት ኣብ ካልኦት ፋርማሲታት ይሽየጡ ምህላዎም እውን ተፈሊጡ።

ናይ ኑክሌር ሓደጋ ምስ ዘጋጥም ዝኽሰት ጨረር ኣብ ኣካላት ዘኸትሎ ሳዕቤን የጒድል እዩ ብምባል እዮም ሰባት ነዚ ከኒና ምውሓት ዝቕጹ ዘለዉ ክትብል ሲድቨንስካ ዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢራ’ላ። በዓልመዚ ውሕስነት ጩራታት ሽወደን ን SVT News ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ምስ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብምትሕሓዝ ሰባት ነዚ ከኒናታት ዝወስዱሉ ምኽያት ኣይረኣየናን ክብል ሰባት ካብዚ ተግባር ክቚጠቡ ለበዋኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com