Friday , May 3 2024
Frode Forland, Director of Infection Control at the Folkehelseinstituttet Foto: Håkon Mosvold Larsen / NTB scanpix / TT / kod 20520

በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ …ሓድሽ ዓሌት ቫይረስ፡ ኣብታ ሃገር ኣትዩ ክኸውን ከምዝክእል ገሊጹ

ኣብ ኖርወይ፡ ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓደ፡ ብሓድሽ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ ኦሚክሮን ዝተለክፈ ኣይተረክበን። ግን ድሮ ናብታ ሃገር መጺኡ ክኸውን ከምዝኽእል ተክእሎታት ከምዘሎ፡ ብመስረት ካብ በዓል መዚ ጥዕና ዝወጽአ ናይ ሓደጋ ገምጋም ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
“ህዝቢ ይገይሽ’ዩ ዘሎ። በዚ ከኣ ኣብ ኖርወይ ዘይርከበሉ ምክንያት የለን ” ክብል ዳይሬክተር ምቑጽጻር ለበዳ ኣብ በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ፡ ፍሮደ ፎርላንድ፡ ንማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ዓሌት ኦሚክሮን፡ ብዕለት 23 ሕዳር፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቓ ከም ዝተፈልጠ ተገሊጹ። ካብኡ ንደሓር፡ ብቑጽሪ ብርክት ዝበለ መልከፍቲ፡ ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራትን፡ ንኤውሮጳ ሓዊሱ ከምዝተረክበ ተሓቢሩ።
ብመሰረት መግለጺ በዓል መዚ ጥዕና እታ ሃገር፡ ዓሌት ኦሚክሮን ካብ ዓሌት ደልታ ዝለዓለ ናይ ለበዳ ባህርያት ዘለዎ ክኸውን ከምዝኽእል፡ እዚ ከኣ ናብ ኖርወይ ከስፋሕፍሕ ‘ዩ ክብል ገሊጹ። “ስለዚ ከኣ ኣብ ኖርወይ፡ ክትትል ብምብራክ፡ ምድላውና ወሲክና ኣለና ” ክብል፡ ፎርላንድ ሓቢሩ።
ገለ ካብቲ፡ ብበዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ ዝተገብረ፡ ናይ ደልታ ዓሌት ዘይኮነ መልከፍት፡ ናይ’ቲ ቫይረስ ተወርሶ ዝያዳ ቁጽጽር ምግባር’ዩ። እቲ በዓል መዚ ጥዕና፡ ብኦሚክሮን ዝተለክፈ ንምርካብ፡ ጥቡቅ ዝኮነ ውህደት ምስ ላባራቶሪታትን ኣብ ምምሕዳራት ዝሰርሑ ሓካይምን ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት በዓል መዚ ጥዕና ኖርወይ፡ ዓሌት ኦሚክሮን ናብ ሓደ ጽኑዕ ሕማም ዘምርሕ ምዃኑ፡ ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘየለ ተገሊጹ።
ፎርላንድ ጸቒጡ፡ ኣገዳስነት ነፍሲወከፍ 65 ዝዕድሚኡን ልዕሊኡ ዘሎን ሳልሳይ ክታበት ክወስ ዝብል ‘ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com