Friday , May 3 2024
Part of the border between Bulgaria and Turkey. AP Photo/Hristo Rusev) VP103

ቡልጋርያ፡ ብስደተኛታት ዓቕላ ከም ዝጸበባ ተገሊጹ

ቡልጋርያ፡ ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክኣትዉ ዝደልዩ ስደተኛታት ንምዕጋት፡ 350 ወተሃደራት ናብቲ ምስ ቱርኪ ዘዳውባ ከባቢ ኣዋፊራ ምህላዋ ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር፡ ጆርጂ ፓናያቶቭ፡ ትማል ሰኑይ ንተሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብዚ ዓመት ጥራይ፡ 6500 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናብታ ሃገር ምእታዎምን እዚ ኣሃዝ ምስ ናይ ዓሚ እንክወዳደር፡ ብሰለስተ ዕጽፊ ዝወሰኸ ምዃኑ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት እታ ሃገር ኣመልኪቱ።

ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ኣፍጋኒስታንን ማእከላይ ምብራቕን በዚ ዶብ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምስጋር ከም ዝመጹ ጸብጻባት የመልክቱ።

ምስ ቱርኪ ናይ 250 ኪሎሜትር ዶብ ዘለዋ ቡልጋርያ፡ ኣቐድም ኣቢላ፡ ነቲ ዝበለየ ናይ ስልኪ ሓጹር (ትሪኮላታ) ዶባታ ንምጽጋን፡ ክሳብ 700 ዝኾኑ ወተሃደራት ኣዋፊራ ምንባራ ይዝከር።

ቡልጋርያ፡ ሓንቲ ካብተን ዝደኸያ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኮይና፡ ስደተኛታት ከም ዘይተቐበለት ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com