Sunday , May 5 2024

ባንካታት፡ ኣረጋውያን ካብ ዓሎቕ ንምክልኻል ክሰርሓ ጻውዒት ቀሪቡ

Credit: Samuel Steén and Caisa Rasmussen/TT

ባንክታት ሽወደን ብፍላይ ንኣረጋውያን ኣደዳ ክሳራ ዝገብር ካብ ዘሎ ዓሎቕ ኣቓልቦ ክገብራሉ ቀዳማይ ሚንስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን ተላብዩ። መንግስቲ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ንወከልቲ ባንክታት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣረጋውያን ግዳያት ዓሎቕ ይኾኑ ምህላዎም ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ንምክልኻል ኣገባብ ከተኣታትዋ ጸዊዑ’ሎ። ነዚ ዝኸውን እማመ ሒዘን ክምለሳ ነተን ባንክታት ሓቲቱ’ሎ። .


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com