Friday , May 3 2024

ባንክታት ን ዝውውር ክፍሊት ኣፕ ክድርታ ተኽእሎ’ሎ

ብመንገዲ ሞባይል ክፍሊት ኣፕ ስዊሽ ብዙሕ ገንዘብ ንዝልእኩ ዓማዊል ባንክታት ኣብ ቀረባ እዋን ዝያዳ መሰናኽላት ከጋጥሞም ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ማሕበር ባንከኛታት ሽወደን ነዚ ተርእዮ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ባንክታት ምትላል ደው ንምባል ገለ ጸጥታዊ ስጉምትታት ከጽንዓ ተኽእሎ ከምዘሎ ይገልጽ። ሓደ ዓሚል ዓቢ ባንክ ኖርድያ፡ 100 ሽሕ ክሮና ናብ ሓደ መጭበርበሪ ብምስዳዱ ነቲ ባንክ ምኽሳሱ ሬድዮ ሽወደን ከም ኣብነት ናይዚ ኲነታት ኣተሓሒዛ ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com