Sunday , May 5 2024

ባየር ሙኒክ ተዓዋቲት ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ኮይና

ሎሚ ምሸት ኣብ ዝተኻየደ፡ ጥንቃቐ ዝመልኦ ጸወታ፡ ክለብ ባየር ሙኒክ ኣብ ልዕሊ መቐናቕንታ ክለብ ፒ ኤስ ጂ 1፡0 ብምዕዋታ፡ ተሸላሚት ዋንጫ ቻምፕዩንስ ሊግ ኮይና።

ክለብ ባየር ሙኒክ ኣብ ዘካየደቶ 11 ናይ ቻምፕዮንስ ሊግ ናይ ፍጻሜ ጸወታታት፡ ሎሚ፡ ንመበል 6 ግዜ ምዕዋታ ይፍለጥ። ኣብዚ ናይዚ ዓመት ውድድር ቻምፕዮኒስ ሊግ፡ ክለብ ባየር ሙኒክ፡ ስዕረት ከይቀመሰት፡ 43 ሸቶታት ብምምዝጋባ ሓድሽ ክብረ ወሰን ክትሕዝ ከምዝኸኣለት ተፈሊጡ።

ብዘይካ’ዚ፡ ክለብ ባየር ሙኒክ በዛ ሸቶ ተሰንያ መበል 500 ሸቶ ኣብ ውድድር ቻምፕዮንስ ሊግ ካብ ዘመዝገባ ክለባት ብምዃን  ምስ ክለባት ባርሴሎናን ሪያል ማድሪድን ተሰሪዓ ኣላ።  

ዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ብምዕታር፡ ክለብ ባየር ሙኒክ፡ 82.4 ሚልዮን ዩሮ ናብ ካዝናኣ ኣታዊ ክትገብር እያ።

ክለብ ባየር ሙኒክ፡ እታ እንኮ ሸቶኣ ካብ ፈረንሳዊ ተጻዋታያ፡ ኪንግስሊ ኮማን፡ ኣብ መበል 60 ደቒቕ ኣመዝጊባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com