Monday , May 6 2024
Indigenous Sami people of Sweden, (AP Photo/ David McDougall)

ቤተ ክርስትያን ሽወደን፡ ንህዝቢ ሳሚ፡ ይቕሬታ ክሓትት ወሲኑ

ቤተ ክርስትያን ሽወደን፡ ንህዝቢ ሳሚ፡ ብሰንኪ ዝወረዶም ታሪኻዊ ግህሰት፡ ወግዓዊ ይቕሬታ ክሓትት ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እቲ ጸሊም ታሪኽ ምዝካሩ፡ ዝጎድኣና’ኳ እንተኾነ፡ ክንኣምነሉ ግን ይግበኣና። ንህዝቢ ሳሚ ምጥላምና፡ ንነብስናን ንፈጣሪናን ጠሊምና ማለት እዩ። እዚ ሕጂ ብቦርድ ቤተ ክርስትያን ሽወደን ክውሰድ ተመዲቡ ዘሎ ወግዓዊ ናይ ይቕሬታ መልእኽቲ፡ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ ክብል ሊቀ-ጳጳሳት ኣንቴ ጃኬሊን (Antje Jackelén) ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሳሚ ዝወረደ ታሪኻዊ ግህሰት፡ ካብ ዓመተ 2011 ጀሚሩ፡ ቤተ ክርስትያን ሽወደን መጽናዕቲ ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዓመተ 2016 ድማ ብጽሑፍ ጸብጻብ ቀሪብሉ። ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ጀምሩ፡ ቦርድ  ቤተ ክርስትያን ሽወደን፡ ሓደ ክፋል ካብቲ ምስ ህዝቢ ሳሚ መተዓረቒ ዝኸውን መደብ ኢሉ ዝሓንጸጾ፡ ወግዓዊ ይቕሬታ ንምሕታት ምድላዋቱ ከጻፍፍ ምጽንሑ ካብ ቤተ ክርስትያን ሽወደን ዝተረኽበ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቲ ወግዓዊ ይቕሬታ፡ ኣብቲ ብዕለት 24 ሕዳር ኣብ ካቴድራል ኡፕሳላ ዝካየድ ኣኼባ እቲ ቤተ ክርስትያንን ካብ ዕለት 21 ክሳብ 23 ጥቅምቲ ናይ ዝቕጽል ዓመት፡ ኣብ ከተማ ሉልያ ዝካየድ ኮንፈረንስን ክቐርብ ምዃኑ ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com