Wednesday , May 1 2024

ቤት ማእሰርቲ ሻኒንገ፥ ብሓለውቲ ግህሰትን ይፍጸም እዩ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ

Credit: Frida Grönholm/Sveriges Radio

ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣብያተ ማእሰርቲ ሽወደን ዝሰርሑ ዘለዉን ኣቐዲሞም ዝሰርሑን ሰባት እሱራት ብሓለውቲ ከም ዝግፍዑን ከም ዝዋረዱን ኣቃሊዖም። መርማሪት መደብ ራድዮ ሽወደን “ካሊበር” ምስ ዓሰርተታት ሰራሕተኛታት ከምኡ’ውን እሱራት እቲ ቤት ማእሰርቲ ነዚ ጒዳይ ኣልዒላ ኣዘራሪባ’ሎ። ሓላፊ እቲ ቤት ነዚ ክሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት፥ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሽግራት ከምዝነበሩ ይፈልጥ እኳ እንተኾኑ፡ ን ምጽራፍን ምግፋዕን ግን ዜሮ ዝኾነ ዝስከም እንግድዓ ክህልወና የብሉን ዝብል ፖሊሲ ይትግበሩ ከምዘለዉ እዩ ዝዛረብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com