Thursday , May 2 2024

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ብዛዕባ ብውልቂ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ከተግብር ጀሚሩ

መንበሪ ፍቓድ ክሳብ ዝወሃቦም ንካምፕታት ገዲፎም ብውልቆም ኣብ ዝረኸብዎ መንበሪ ገዛውቲ ዝቕመጡ ዝነበሩ ስደተኛታት ዝምልከት ሓድሽ መምርሒ ኣብ ግብሪ ከውዕል ክጅምር ምኻኑ ጨንፈር ኢሚግሬሽን ሓቢሩ።

ካብ ሎሚ ዕለት 01-07-2020 ጀሚሩ፡ መንበር ፍቓድ ንኽወሃቦም ዝጸበዩ ኮይኖም ብውልቆም ኣብ ዝረኸብዎ ኣባይቲ ክነብሩ ዝውስኑ ስደታኛታት፡ ካብ ጨንፈር ኢሚግሬሽን ዝረኽብዎ ዝነበሩ ሓገዛትን መዓልታዊ ገንዘባዊ ሓገዛት ክስእኑ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ ኣሎ።

ቀንዲ ዕላማ ናይዚ ሓዲሽ መምርሒ፡ ነቶም ስደተኛታት ዝሓሸን ዝሰማማዕን ቦታታት ብምርካብ ምስ ሕብረተሰብ ሽወደን ንምውህሃድ  ዘኽእል ባይታ ንምፍጣር ምኻኑ ጨንፈር ኤሚግሬሽን ገሊጹ።

መንግስቲ ሽወደን፡ 32 ማሕበራውን ቁጠባውን ብድሆታት ዘጋንፈን ኮሙናት መሪጹ ኣሎ። እቲ ሓድሽ መምርሒ ዝምልከተን ኮሙናት ድማ ብጨንፈር ኢሚግሬሽን ተሓቢርወን ኣሎ። እተን ዝተሓበረን 11 ኮሙናት ድማ፡ ቦትሺርካ፡ ኢስክሊስቱና፡ ፍሊፕስታድ፡ ዮተቦሪ፡ ሄልሲንግቦሪ፡ ካትሪንሆልም፡ ክሪስትያንስታድ፡ ላንድስክሮና፡ ማልሞ፡ በሪሽቶርፕን ኦሽቶርፕን እየን። እቶም ድሕሪ 30-06-2020 ብውልቆም ናብ ዝረኸብዎ ገዛውቲ ዝቕይሩ መሰላቶም ክስእኑ ከም ዝኽእሉ ተሓቢሩ።

እቶም ብውልቆም መንበሪ ኣባይቲ ዝረኽቡ ሰባት፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ዝኸፈቶ ኤሌክትሮኒካዊ ኣገልግሎት ብምእታው ኣድራሻ ናይ ገዛ ብምሃብ ኣብቲ መሰላት ዝኸልእ ኮሙናት ምህላዉን ዘይምህላዉን ምኻኑ ከተረጋግጽ ትኽእል።

እቶም ቅድሚ እዚ ዕለት ኣብ ብውልቆም ዝረኸብዎ መንበሪ ኣባይቲ ዝነብሩ ዘለዉ ስደተኛታት እዚ ሓድሽ መምርሒ ኣይጸልዎምን እዩ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ – 2021 ድማ ካልኦት ኮሙናት ናብቲ ዝርዝር ክውሰኻ ምኻነን ጨንፈር ኢሚግሬሽን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com