Thursday , May 2 2024

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ኣብ ዮንሾፒን ዝነበሩ 400 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ካልእ ቦታ የግዕዞም

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ነቶም ኣብ ዮንሾፒን ዝነበሩ ኣስታት 400 ሓተቲ ዑቕባ፡ ክሳብ 25 ኪ.ግ. ዝምዘን ንብረት ጥራይ ሒዞም ንምኻድ ኣፍቂዱ፡ ናብ ካልእ ቦታ ከጉዕዞም ከምዝወሰነ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ።

ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት፡ ኩሎም ሓተቲ ዑቕባ፡ ናብ ካልእ ቦታ ክጉዕዙ ምዃኖም ዝሕብር ደብዳቤ ካብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ከምዝበጽሖም ይዝከር። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ ዮንሾፒን ዝርከብ ዝነበረ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ክዕጾ ስለዝተወሰነ እዩ።  

ብዙሓት ስድራቤታት፡ በዚ ውሳኔ ከምዝተተንከፉ ድሕሪ ምሕባር፡ ኣብዚ ቦታ ምስ ደቅና ንልዕሊ 5 ዓመታት ዝተቐመጥና ምዃንና እናፈለጡ፡ 25 ኪ.ግ. ጥራይ ሒዝኩም ክትጓዕዙ ትኽእሉ ኢኹም ክብሉና ብጣዕሚ ዝገርምን ዘይእመንን ኮይኑና ኣሎ ክብሉ ቁጠዐኦም ገሊጾም።

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ነቲ ኣብ ዮንሾፒን ዝርከብ ኦፊሱ፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክዓጽዎ ምዃኑ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

ዋሕዲ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ዝህልወሉ እዋናት፡ ብዝሒ መቐበሊ ስደተኛታት ኣድላይነት ኣይህልዎን ክብል እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን፡ ኣብ ከተማታት ዮንሾፒን፡ ቦሮሽ፡ ማሪስታድን ሆግስፒን ተዶኰኖም ይርከቡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com