Sunday , May 5 2024

ብሓደጋ ባርዕ፡ መዓስከር ስደተኛታት ሌስቦስ፡ ዝተኸሰሱ፡ ተፈሪዶም

ኣብ ዝሓለፈ ቀውዒ፡ ኣብ ደሴት ሞርያ፡ ግሪኽ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት፡ ሌስቦስ፡ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ብዙሓት ስድራ ቤታት ዝርከብዎም፡ ኣስታት 13 ሽሕ ስደተኛታት፡ ኣብ ቃልዕ ከም ዝቕመጡ ኮይኖም እዩም።

ነቲ ናይ ባርዕ ሓደጋ ዘሳወሩ ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ፡ ክልተ ደቂ 17 ዓመት ኣፍጋኒስታናውያን መንእሰያት፡ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ማእሰርቲ ከም ተፈርዱ ንስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ሕጋዊ ሓገዝ ዝህብ፡ ሕጋዊ ማእከል ሌስቦስ፡ ዝተባህለ ማሕበር ሓቢሩ። ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ድማ ምስ’ዚ ኣጋጣሚ ብምትሕሓዝ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለዉ ብምውሳኽ ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ እቶም መንእሰያት ዝተበየነ ፍርዲ፡ ኣብ ብቑዕ መርትዖታት ዝተሞርከሰ ስለዘይኮነ፡ እግባይ ክንብል ኢና ክብል እቲ ማሕበር ገሊጹ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ ደሴት ሞርያ ዝርከብ መዓስከር፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ግሪኽ ዝርከቡ ማዓስከራት ስደተኛታት ኮይኑ ኣብ ዓመተ 2015 ዝቖመ እዩ። እዚ መዓስከር፡ ንዓመታት፡ ዘይ ብቑዕ ናይ ጽሬት ኣገልግሎት ከምዘለዎ ብቡዙሓት ወገናት ክንቀፍ ምጽንሑ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com