Friday , May 3 2024
Foto: TT

ብመንገዲ ኢንተርነት ዝግበር ዕድጊ እንዳዓበየ ከምዝመጸ ተሓቢሩ

ኣብዚ ቅንያት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ፡ እቲ ኣብ መሸጣ ዱካናት ናይ ዝተፈላለዩ ናውቲ ፡ ብዘገርም መንገዲ ከም ዘንቆልቆለ ምክትታል ዕዳጋ ሽወደን ንዝገብሮ መዕቀኒ ምርኩስ ብምግባር ሓቢሩ። ኣብቲ ዝተገብረ ሓድሽ መጽናዕቲ ፡ እቲ ብኣካል ዝግበር ናይ ተጠቀምቲ ዕዳጋ ብሰንኪ ተማሓላሊፉ ዘሎ ትእዛዛት ፡ ቀንዲ ምኽንያት ከም ዝኾኑ እቲ መጽናዕቲ ኣነጺሩ። ብዘይካ እዚ ኣብዚ ዓመቱ መሊኡ ዘሎ ኩነታት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ፡ ኣብ ውልቃዊ ቁጦባ ዜጋታት እንዳ ዓበየ ዝመጸ ስእነት ኣታዊታትን ስራሕ ኣልቦንነትን ከም ዝኾነ ይፍለጥ። እቲ መጽናዕቲ ከም ዝሓበሮ፡ ብኣንጻር እዚ ብኣካል ናይ ዝግበሩ ዕዳጋ ጉድለት፡ እቲ ብመንገዲ ኢንተርነት ዝግበር ሸመታ ግን እንዳ ዓበየ ምምጽኡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com