Friday , May 3 2024

ብመንገዲ ኦንላይን ዝሽመቱ ዘይሕጋውያን መድሃኒታት እናበዝሑ ምምጸኦም ተገሊጹ

ብመንገዲ ኦንላይን ኣቢሎም ዘይሕጋውያን መድሃኒታት ዝሽምቱ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሽወደናውያን፡ ቁጽሮም እናዛየደ ይመጽእ ምህላዉ ተፈሊጡ። እዚ ዝተረኽበ መደምደምታ ድማ ድሕሪ እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ብፖሊስ ዝተኻየደ ስርሒት ሃድን ገበነኛታት ኦንላይን ኮይኑ ከምውጽኢቱ ድማ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ጥራይ ኣስታት 15 ሽሕ ከኒና (መድሃኒት) ተረኺቡ ምንባሩ ይዝከር ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ብሓኪም ዘይተኣዘዙ መድሃኒታት ብመንገዲ ኦንላይን ምሽማት፡ ነቲ ዓዳጋይ፡ ኣብ ሓደጋ ዘእትዎ መስርሕ እዩ። ጌጋ መድሃኒት ወይ ጌጋ ብዝሒ ኣወሳስዳ መድሃኒት ወይ ድማ እቲ መድሃኒት ዝተደልየ ስርሑ ከይሰርሕ ይኽእል ክትብል ኣብ በዓል መዚ መድሃኒት፡ መርማሪት ዝኾነት ኤቫ ለና በርገንስ ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። ኣብ እዋን ለበዳ፡ ብዙሓት ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሽወደናውያን፡ ንዝደለይዎ መድሃኒት፡ ንሓኪም ከይተወከሱ፡ ብቐሊሉ ብመንገዲ ኦንላይን ክረኽብዎ ስለዝኸኣሉ፡ ክሽምቱ ክኢሎም ዝብል እምነት ኣለኒ ክትብል ብምውሳኽ ገሊጻ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ብፖሊስ፡ በዓል መዚ መድሃኒትን በዓል መዚ ጉምሩክ ሽወደንን ዝተኻየደ 150 መስርሕ ሃድን፡ ከም መድሃኒት ዝፍለጡ ከናይን፡ መነቓቕሒ (doping)፡ ናይ ጾታዊ ርክብ መድሃኒታትን እንታይ ምኻኑ ጌና ዘይተፈልጠ፡ ብኪሎታት ዝግመት ጻዕዳ ሓርጭ ከምዝተሃገረ ይፍለጥ።

እዚ ብመንገዲ ኦንላይን ዝሽመት መድሃኒታት፡ ብመንገዲ መርበባት ሓበሬታን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ከምዝፍጸም ኢንተርፑርል ሓቢሩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com