Sunday , May 5 2024

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ኣብዚ ጽድያ ካብቲ ንቡር ብ 26% ዝውሕዱ ጽምዲ ምምርዓዎምን ካልኦት ድማ ዝምርዓውሉ መዓልቲ ምስግጋሮምን ተገሊጹ።

ሓንቲ ካብዞም ጽምዲ ናይ ኤሪክን ክሪስቲን እያ። ንሳቶም መርዓኦም ኣብ ሰነ 2020 ክገብርዎ እኳ ወጢኖም እንተነበሩ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ኣብ ኣመሪካ ዝቕመጡ ስድራ ክሪስቲ ነቲ መርዓ ክጽንብሉ ናብ ሽወደን ክመጹ ስለ ዘይክእሉ ኣብ ሽግር ምጽንሖም እንተኾነ ግና መርዓኦም ሰለስተ ሰሙን ጥራይ ስለ ዝተረፎ እቶም ጽምዲ ዝመጸ እንተመጸ መርዓና ኣይንገድፍን ብምባል ኣብ ክንዲ ሰብዓ ሸውዓተ ኣጋይሽ ብምዕዳም ወዲኦሞ። ኣብቲ መርዓ ዝኾነ ኬክን ተሸብሸብ ተኣንጎትን ከም ዘይነበሮን ድማ ተፈሊጡ። ኣዳላዊት መርዓ ኣንኪ ሞሊ ከምዚ ዝበሉ ኣገባባት መርዓ ንዝመጹ ጽንብላት ከም ምሳሌ ምውሳዶም ዘይተርፍ እዩ ኢላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com