Friday , May 3 2024
Severe drought has dramatically worsened the already desperate situation in Afghanistan (AP Photo/Mstyslav Chernov) DV101

ብምኽንያት ምልዋጥ ክሊማ፡ ባህርያዊ ሓደጋታት ይብእስ ኣሎ

ኣብ ዓመተ 2021፡ ብምኽንያት ምልዋጥ ክሊማ ዘስዓቦ ሓደገኛ ኲነታት ኣየር፡ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ከም እተዘናበለ ሓደ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

እዚ ክሪስቻን ቻሪቲ ኤይድ ዝተባህለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ መጽናዕቲ፡ 10 ምስዚ ኲነት ዝተዛመዱ ዝተፈላለየ ፍጻመታት ድሕሪ ምዝርዛር ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ክሳራ ወሪዱ ምህላዉ ጸብጺቡ’ሎ። ብፍላይ እቲ ንኣመሪካ ዘጥቅዐ፡ ማዕበል ኢዳ፡ ዝበዝሐ ፋይናንሳዊ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ኣብ ኣህጒር ኣውሮጳ እውን ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ተመሳሳሊ ማዕበል ኣጋጡሙ ምንባሩ ዘኪሩ። ኣብ ድኽይ ዝበላ ሃገራት፡ ማዕበላት ዕልቕልቕ፥ ምምዝባል ሰባትን ሓዊስካ ከቢድ ስቓይን ሕሰምን ይፈጥሩ ምህላዎም ዝፍለጥ እዩ። እዚ ሓደገኛ ኲነታት ኣየር ጠንቁ ምልዋጥ ክሊማ ድዩ ወይስ ካልእ ዝብል ክትዕ ክሳብ ሕጂ እኳ እንተሎ ኣዝዮም ዝበዝሑ ተመራመርቲ ጠንቂ እዚ ኲሉ ምልዋጥ ክሊማ፡ ሰብ ዝሰርሖ እዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ይረግጹ ምህላዎም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com