Sunday , May 5 2024

ብረግዚት ኣብ ጽላት ጥዕናን ክንክንን ብሪጣንያ ኣሉታዊ ስንብራት ክገድፍ እዩ ተባሂሉ።

ናትፊልድ ትረስት ዝተባህለ ኣማኻሪ ትካል ከም ዝሓበሮ ብሪጣንያ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ምውጽኣ ኣብ ጽላት ክንክን ጥዕና ዓብዪ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከምጽእ ይኽእል እዩ ምባሉ ዘ ጋርዲያን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሕታሙ ኣስፊሩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ሓደስቲ ሕጊታት ስደት፥ ምትእጒጓል ቀረብ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ምስ ቊጠባዊ ዝሕታለ ተደሚሩ ኣብ ሳየንስ ንዝግበር ወፍሪ ብኣሉታ ምጽላዉ ኣይክተርፎን እዩ። መንግስቲ ዋላኳ ነዚ ብምጽባይ ዘድሊ ዝበሎ ምቅርራብ ጌሩ እንተኾነ እቲ ምትእጒጓል ቀረብ መድሃኒትን ናውቲ ሕክምናን ካብቲ እተሓስቦ ንላዕሊ ግዜ እንተተመጢጡ እንታይ ሳዕቤናት ከምጽእ ከም ዝኽእል እተሓስበሉ ኣይመስልን ይብል እቲ ጸብጻብ።

 ንኣብነት እዚ ውጥን ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ዓይነት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ ግምት ብምእታው ኣይኮነን ተሰሪሑ ፥ በዚ ድማ ጥዕና ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ክኣቱን ናብ ዝተሓተ ደረጃ መነባብሮ ዝድፍእ ኲነታትን ክፍጠር ይኽእል እዩ ኢሉ። ብፍላይ ኣብ ዝተሓተ መንብሮ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ በዚ ተርእዮታት ክህሰዩ ከም ዝኽእሉ ዘመልከተ እዚ ጸብጻብ ብፍላይ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝቚጸሩ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት በዚ ሓድሽ ሕጊ ኢሚግሬሽን ክዕገቱ ስለዝገብር ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት ከቢድ ቅልውላው ክፈጥር ይኽእል እዩ ኢሉ’ሎ። እዚ መጽናዕቲ ናትፊልድ ትረስት ብምትሕብባር ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ፥ ሼፊልድን ሚቺጋንን ዝገብሮ ኮይኑ ብ ትካል ጥዕና ዝተመወለ እዩ ተባሂሉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com