Saturday , May 4 2024

ብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ምስ ምቕራብ ብረግዚት ናብ ስምምዕ ንግድ በጺሔን ተባሂሉ።

ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ብዙሕ ዘይውጽኢታዊ ዝርርብ ከካይዱ ድሕሪ ምጽናሕ ብሪጣንያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ምስ ምቕራብ ብረግዚት ናብ ስምምዕ ንግድ በጺሒም ከይኮኑ ኣይተርፉን እዮም ክትብል ሲኤንኤን ሓቢራ ። እዚ ስምምዕ ኣብ መዓልቲ ልደት ክግለጽ ምዃኑ ዝገለጸ እዚ ጸብጻብ ካቢነ ብሪጣንያ ብዛዕባዚ ትማሊ ክሕበር ከም ዝተገብረን ድሕሪዚ ኣብ ሒደት ሰዓታት እቲ ሕጋዊ ጒዳያት ክዳቐስ እዩ ዝብል ትጽቢት ከም ዘሎን ገሊጹ። ኣፈኛ ኣውሮጳዊ ኮሚሽን ኤሪክ ማመር ኣብ ዝለኣኾ ናይ ትዊተር ጽሑፍ ውዕል ብረግዚት ኣብዚ ለይቲ ይሰላሰል ኣሎ” ኢሉ።

ትማል ረቡዕ ንግሆ ቊጽሪ 10 ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣማኻሪ ን ሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ “ገና ኣብ ዝርርብ ኢና ዘሎና” ምባሉ እቲ ጸብጻብ ዘኪሩ። ኣብ መንጐ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን ዝነበረ ዝርርብ ውዕል ንግድ ንኣዋርሕ ብዘይ ገለ ፍረ ክጓተት ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ እቲ ቀንዲ ዘሰሓሕቦ ዝነበረ ድማ ናይ ምግፋፍ ዓሳ ኮታ ክንደይ ይዂን ዝብል ዛዕባ እዩ ኔሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com