Sunday , May 5 2024
STOCKHOLM 2016-12-07 En budbil i Stockholmstrafiken Foto: Tomas Oneborg / SvD / TT / Kod: 30142 ** OUT DN, Dagens Industri (även arkiv) **

ብርክት ዝበሉ ሰባት፡ መምርሒ ፍቓድ መኪና፡ ክስእኑ እዮም ተባሂሉ

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት፡ ቁጽሪ መምርሒ ፍቓድ መኪነኦም ዝሰኣኑ ሰባት እናበዝሑ ከምዝመጹ ተፈሊጡ። ካብ ግቡእ ንላዕሊ ብናህሪ ምዝዋር እቲ ብብዝሒ ዘጋጥም ምኽንያት ኮይኑ፥ ቀይሕ መብራህቲ በሪሁ ከሎ ትሒስካ ምኻድን ሰኺርካ ምዝዋርን ድማ እቶም ካልኦት ምኽያታት ምዃኖም ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ዓመተ 2021፡ በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን፡ 41,698 ግዜ መዘወሪ ፍቓድ ወረቐት ከምዘግደፈ ተፈሊጡ’ሎ። ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ክወዳደር ከሎ እዚ ኣሃዝ’ዚ ዳርጋ ብዙሕ ለውጢ የብሉን። ይኹን እምበር ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት፡ ቁጽሪ ናይ መዘወሪ ፍቓድ ዝተሓደጉ ብልዕሊ 27% ግዜ ከምዝወሰኸ ተፈሊጡ’ሎ።
“እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ኣንፈት ከምዘርእዮ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ዝዓዘዘ ቁጽሪ ኢና ነግድፍ ዘለና። እቲ ዋና ምኽንያት ድማ እቶም ፖሊስ ኣብ ግዜ ቁጽጽር ናይ ዋሕዚ መካይን፡ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ናይ መዘወሪ ፍቓድ፡ ስለዝኣልዩ እዩ” ክብል ማይክል ኣንደርሶን ኣብ በዓል መዚ መጓዓዝያ ሽወደን ሓላፊ ናይ ፕረስ ኣብ ዝፈነዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።
 እቲ ዝበዝሐ ናይ መመንጠሊኦም ምኽንያት ናይ “ነገራት ግህሰት (material violation)” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ንሱ ድማ ብናህሪ ምዝዋር እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከምዚኦም ዝበሉ ግህሰታት ንልዕሊ 25,000 ዝኸውን ምሕዳግን ናይ መዘወሪ ፍቓድ ምኽንያት ኮይኖም እዮም። ካልኦት ንተመሳሳሊ ምሕዳግ ናይ መዘወሪ ፍቓድ ዝኾኑ ምኽንያታት ቀይሕ መብራህቲ ተወሊዑ ከሎ ምዝዋርን እናዘወርካ ሞባይል ምጥቃምን ይርከቡዎም። እቲ ካልኣይ ዝዓበየ ምኽንያት ድማ ሰኺርካ ወይ ድማ ሓሽሽ ወሲድካ ምዝዋርን ኮይኑ፡ ንልዕሊ 5,970 ዝኸውን ምምንጣል ፍቓድ መዘወሪ ምኽንያት ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። 5,609 ዝኾኑ ድማ ብሕክምናዊ ምኽንያታት ከምዝተሓድጉ ተፈሊጡ’ሎ።
እዚ ቑጽሪ ናይ መዘወሪ ፍቓድ ምሕዳግ ዳርጋ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ምዃኑ እዩ ተፈሊጡ ዘሎ። እቲ ዝዓበየ ወሰኽ ዝተራእየ ኣብ ምምሕዳር ብሌኪንየን ጎትላንድን ከከም ተርታ ብናይ 11% ን 9% ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ኣብ ምምሕዳር ካልማር እቲ ቁጽሪ ናይ ፍቓድ ዝተሓደጉ ብ9% ዝነከየ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ዝዓበየ ናይ 10% ዝኸውን ምንካይ ድማ ኣብ ምምሕዳር ቬርምላንድ ከም ዝተመዝገበ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com