Saturday , May 4 2024

ብርዐይ ኣብ ኣልኮሞፒስ ትግርኛ

መም Joሲ ወዲ ወርቀ
ኔልደን

ኣብ ገጻት ፈይስቡክ ንዓመታት ጽሒፈ።ኣብ ዘዝረኽብክዎን ዝጥዐመንን ግዜ፡ናይ ሓበሬታ ሃጓፍ ከይፍጠር ብዓቕመይ ብዙሕ ዘይንየተሉ ስራሕ ፈቲነ።ብተወሳኺ ዛንታታት ሓደ ክልተ ኢለ ጽሒፈ።ዝጠፍኡ ስድራቤታት ንምርኻብ ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ስራሕ፡ብውስን ዓቕመይ ተሳቲፈ። ምትብባዕኹምን ርእይቶኹምን ድማ ክጽሕፍ ዓቢ ድርኺት ኮይኑኒ።ንኹሉ አመስግን!

ኣብ ሽወደን ተሰዲደ ምንባር ካብ ዝጅመር፡ሓደ ካብ ዝዓበዩ ሽግራት ኤርትራውያን ኮይኑ ዝተራአየኒ፡ናይ ሓበሬታ ጸገም ኢዩ።ብስሪ ናይ ሓበሬታ ሃጓፍ ፡ብዙሓት ስድራቤታት ካብ ምጥርናፍ ዝበኾራ እፈልጥ።ኣዝዮም ካብ ዘሕዝኑኒ ጉዳያት ኢዮም።

ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት በብዓቕሞምን በብዝረኸብዎ ኣጋጣምን ፡ኣብ ሃገረ ሽወደን ንዘሎ ዝተፈላለዩ ኲነታት ምሉእ ሓበሬታ ንምሃብ ብውልቆም ከካይድዎ ዝጸንሑ ቃልሲ እንእድ።

ብወገነይ ድማ ዘበርክተሉ ኣጋጣሚ ኣብ ምንዳይ ናሃለኹ፡ነዚ ሽግር ንምፍታሕ ብዝተወደበ መልክዕ ካብ ዝሰርሑ ዘለዉ ብዙሓት ዝኾነ ሓደ “መርበብ ሓበሬታ ኣልኮሞፒስ ትግርኛ “ክጽሕፍ ብዝቀረበለይ ዕድመ፡እንሆ ኣብ ሰሙን ሓንቲ መዓልቲ፡ ተኸታታሊ ዛንታ ሒዘ፡ኣብ መንጎ ዓበይትን ፍሉጣትን ጽሓፍቲ ኮይነ፡ናይ ንባብ ልምዲ መንእሰያትና ንምዕባይ ኣብ ምጅማር ኣለኹ።

ኩልኹም ኣሓትን ኣሕዋትን ነዚ ወግዓዊ ገጽ መርበብ ሓበሬታ ኣልኮምፒስ፡Like ብምባል ናይ ቋንቋ ስቨኒስካ ፍልጠትኩም ንምዕባይ” ትምህርቲ ቋንቋ ሽወደን ምስ ደጀን”፡ እዋናዊ ዜና፡ ብዛዕባ ሕግን ሕብረተሰብን ሽወደን፡ስራሕን ቁጠባን፡ባህሊ፡ውህደት፡ስፖርት፡ካርቱን ከምኡ ድማ ኣብ ኲርናዕ ጽሓፍቲ ናይ ዓበይቲ ጽሓፍቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘተኮረ ምንባብ ይክኣል ኢዩ።”☝️ሓንቲ ዓለም” ናይ’ቲ ውሩይ ጽሓፊ ኣማኑኤል ሳህለ፡”ናስሮቪች” ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ኣብ ጉዳይ መንእሰያት ዘተኮረ ዘነቃቅሕ ጽሑፋት ከምኡ ድማ “በሪሁሉ ብኣማን” ዘቅርቦም ኣገደስቲ ጽሑፋት ክተንብቡ እዕድም።

👉ሃናጺ ርእይቶኹም፡ኣራሚ ነቀፌታኹም፡ ንዕብየት ሓጋዚ ኢዮ’ሞ፡ኣብ ገግዚኡ ሓብሩና።

መም Joሲ ወዲ ወርቀ
ኔልደን


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com