Saturday , May 4 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090 **BILDEN FÅR ENDAST PUBLICERAS TILLSAMMANS MED TT:S URSPRUNGLIGA TEXT OCH FÅR INTE ÅTERANVÄNDAS I ANDRA SAMMANHANG**

ብቢልዮናት ዚቝጸር ክሮነር ህጹጽ ሓገዝ ንሓረስቶት

መንግስቲ ምስቲ ኣብ ሪክስዳግ ዘለዉ ሰልፍታትን ምስ ሃገራዊ ማሕበር ሓረስቶትን ብተደጋጋሚ ክሕተት ዝጸንሐ ህጹጽ ሓገዝ ከምኡ እዉን ፣ መብዛሕትኦም ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋታት ነዳዲ ንምምላእ ብ700 ሚልዮን ደገፍ ከም እተገብረሎም ጸብጻብ ተዋሂቡ ኣሎ ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሪክስዳግ ንሕርሻ ዝግበር ናይ ቅልውላው ደገፍ ጽዑቕ ምይይጥ ተገይሩ ኢዩ ። ሚኒስተር ፋይናንስ ሚካኤል ዳምበርይ ሚኒስተር ገጠራት ኣና-ካረን ዛርበርግ (ኤስ) ሎሚ ድሕሪ ቐትሪ ብዛዕባ ባጀት ዚገልጽ ጋዜጣዊ መግለጺ ኺገብሩ እዮም። ዝሓለፈ ሰሙን መንግስቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ናይ ቅልውላው መወከሲ ኸም ዜቕርብ ንጹር ኮይኑ ኣሎ።።

ሰልፊ ማእከል ብሰንኪ እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ ከም ድዅዕን ኤለክትሪክን ናፍታን ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ኣታዊታት ኣብ ሕርሻ ህጹጽ ቢልዮን ዝኸውን ህጹጽ ኵነታት ክግበረሉ ሓቲቱ ኣሎ ።

ብመሰረት ሓበሬታ ተተ ፣ እቲ ብመንግስቲ እተማህዘ ጥቕላል ንወጻኢታት ናፍታ ዕጽፊ ደገፍ ዘጠቓልል ኢዩ፣  እዚ ድማ ካብ 700 ሚልዮን ክሳዕ 1.4 ቢልዮን ይበጽሕ ። እንተዀነ ግን ነቶም ናይ ኤለክትሪክ ወጻኢታት ኣጸቢቑ ዝተወሰኸሎም ሓረስቶት ንንጥፈታቶም ንምድጋፍ 300 ሚልዮን ከምዝተመደበ ይንገር።

ንወጻኢታት ናፍታ ብዝምልከት  ድሮ እተመስረተ ሞደል ከምዘሎን፣  እቲ ገምጋም ከኣ ካብ 1 ሓምለ ኣትሒዙ ገንዘብ ክኽፈል ከም ዝኽእል ዝሕብር ኢዩ ። እቲ ዝተረፈ 300 ሚልዮን ገንዘብ ግን መዓስ ክኽፈል ከም ዝኽእል ንጹር ኣይኰነን ተባሂሉ ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com