Saturday , May 4 2024
Jonas Ekströmer / TT / kod 10030

ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሽወደናውያን ኣብ ስቶክሆልም ሰልፊ ኣካዪዶም።

ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሽወደናውያን ዓሌትነት ዝዂንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣደባባይ ስርየል የካይዱ ኣለዉ። ብሓደ ብምዃን ድማ “ውድቀት ንዓሌትነት” ዝብል ጭርሖ ኣጋዊሖም። እዚ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ቊጽሪ ህዝቢ ዘአንገደ ሰልፊ መጠንቀቕታታት ለበዳ ኮሮና’ውን ክዓጅቦ ኣይከኣለን። በዚ ድማ ሎሚ ነቲ ንስለ ህይወት ጸለምቲ ተባሂሉ ዝተላዕለን ግፍዓዊ ኣቀታትላ ፖሊስን ዝዂንን ሰልፊ ብምድጋፍ ኣብ ኤምባሲ ኣመሪካ ተራእዮም ኣለዉ። ፖሊስ ሽወደን ካብ ሰዓታት 6 ክሳብ 8 ድሕሪ ቀትሪ ድምጺ ኣልቦ ሰልፊ ክካይድ እኳ ፍቓድ እንተሃቡ እቲ ቚጽሪ ተሰለፍቲ ኣብ ውሽጢ ደቓይቓ ናብ 1000 ገጹ ክንህር ብምጅማሩ ንኽብተን ምእዛዞም ተፈሊጡ። “ዝመጸ ይምጻእ እምበር ናይ ተቓውሞ ሰልፍና ኣይንሓድግን ኢና” ክብል ሓደ ተሳታፋይ ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com