Tuesday , March 19 2024

ብኤርትራዊ ስነ ጥበበኛ ዝተጻሕፈት ሓዳስ መጽሓፍ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተመሪቓ

ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደርሰት “ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ፡ ብቐዳም 29 ጥሪ 2022 ኣብ ከተማ ኡምዮ ሃገረ ሽወደን ተሓቲማ ብወግዒ ተመሪቓ።

እዛ 216 ገጻት ዘለዋን ብደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦምን ዝተደርሰት መጽሓፍ፡ ብምምሕዳር ኡምዮ ኮመን ተመዊላ እያ ንሕትመት በቒዓ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ነታ መጽሓፍ ተመልኪቱ ኣብ ዝቐረበ ገምጋም “ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ቛንቑኡን ባህሉን ኣብ ምዕቓብ ልዑል ተራ ይጻወቱ ከምዘለዉን፡ መጽሓፍ “ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ” ድማ ሓንቲ ካብአን ምኻናን ብምግላጽ፡ እዛ መጽሓፍ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ዘጋጠሞም ሓቀኛ ዛንታታት ዝሓዘት ኮይና፡ ናይ ሓንቲ ኣብ ሊብያ ከቢድ ዓመጽ ዘጋጠመ ጓል ኣንስተይትን፡ ካልእ ዛንታታትን ሒዛ’ያ ንሕትመት በቒዓ ዘላ።

ንኡምዮ ኮመን ወኪሉ ቓል ዘስምዐ ኣቶ ላርስ ሳህሊን ድማ “ምምሕዳርና ንኤርትራዊ መጽሓፍ “ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ” ከሕትም ምኽኣሉ ሓጎስ ይስምዓና ድሕሪ ምባል፡ ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ኣብ ሃገረ ሽወደን ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ኡምዮ ኣብ ሓጺር እዋን ተቐሚጡ ክነሱ መጽሓፍ ደሪሱ ናብ ህዝቡ ምቕራቡ፡ ኤርትራውያን ማዕረ ክንደይ ኣፍረይቲ ምዃኖም ገምጊምና” ብምባል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያ ጸሓፍቲ ኣድናቖቱ ገሊጹ።

መጽሓፍ “ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ” ንዝተፈላለዩ ገጻት ህይወት ማለት ፍቕሪ ሓዳር ካልእን ኣብ ስደት ዘጋጥሙ ሓቀኛ ዝሓዘት መጽሓፍ እያ።

ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ቕድሚ ሕጂ “ተመርዓወኒ’ባ” “ዛንታ ሄለን” “ኣይወድኻን’ዩ” ካልኦትን ዝብላ ሓሙሽተ መጽሓፍቲ ዝደረሰ ኮይኑ፡ ንኣስታት 15 ዓመት ኣብ ኤርትራ ከም ጋዜጠኛ ኮይኑ ዝሰርሐ ገዲም ጽሓፋይ እዩ።

ነዛ መጽሓፍ ንምውናን በዚ ቁጽሪ ሞባይል ምውካስ ይክኣል እዩ፡ 0046765918587 ወይ 0046736554925


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com