Saturday , May 4 2024

ብኤርትራዊ ስነ ጥበበኛ ዝተጻሕፈት ሓዳስ መጽሓፍ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተመሪቓ

ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደርሰት “ወጽዓ’ታ ህጻን” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ፡ ብቐዳም 21 ሕዳር 2020 ኣብ ከተማ ኡምዮ ሃገረ ሽወደን ተሓቲማ ብወግዒ ተመሪቓ።

እዛ 184 ገጻት ዘለዋን ብደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦምን ዝተደርሰት መጽሓፍ፡ ብምምሕዳር ኡምዮ ኮመን ተመዊላ እያ ንሕትመት በቒዓ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ነታ መጽሓፍ ተመልኪቱ ኣብ ዝቐረበ ገምጋም “ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ቛንቅኡን ባህሉን ኣብ ምዕቓብ ልዑል ተራ ይጻወቱ ከምዘለዉን፡ መጽሓፍ “ወጽዓ’ታ ህጻን” ድማ ሓንቲ ካብአን ምዃናን ብምግላጽ፡ እዛ መጽሓፍ ንስደት፡ ፍቕሪ፡ ሓዳርን ማሕበራዊ ህይወት ጉዕዞ ደቂ ሰባት ብጥበብ ብምግላጽ ተጻሒፋ ብምህላዋ፡ ህዝብና ከንብባ ይግባእ ብምባል” ገምጋሞም ኣቕሪቦም።

ንኡምዮ ኮመን ወኪሉ ቓል ዘስምዐ ኣቶ ላርስ ሳህሊን ድማ “ምምሕዳርና ንኤርትራዊ መጽሓፍ “ወጽዓ’ታ ህጻን” ከሕትም ምኽኣሉ ሓጎስ ይስምዓና ድሕሪ ምባል፡ ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ኣብ ሃገረ ሽወደን ከምኡ’ውን ኣብ ከተማ ኡምዮ ኣብ ሓጺር እዋን ተቐሚጡ ክነሱ መጽሓፍ ደሪሱ ናብ ህዝቡ ምቕራቡ፡ ኤርትራውያን ማዕረ ክንደይ  ኣፍረይቲ ምዃኖም ገምጊምና” ብምባል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ኣድናቖቱ ገሊጹ።

መጽሓፍ “ወጽዓ’ታ ህጻን” ንዝተፈላለዩ ገጻት ህይወት ማለት ፍቕሪ ሓዳር ስደትን ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ህይወት ደቂ ሰባት ዝገልጽ ኣብ ሓቐኛ ዛንታ ዝተመርኮሰት መጽሓፍ እያ።

ደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦም ቕድሚ ሕጂ “ተመርዓወኒ’ባ” “ዛንታ ሄለን” “ኣይወድኻን’ዩ” ካልኦትን ዝብላ ሓሙሽተ መጽሓፍቲ ዝደረሰ ኮይኑ፡ ንኣስታት 15 ዓመት ኣብ ኤርትራ ከም ጋዜጠኛ ኮይኑ ዝሰርሐ ገዲም ጸሓፋይ እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com