Thursday , May 2 2024

ብዙሓት ተቐማጦ ከተማ ስቶክሆሎም፡ ጸረ-ኣካል ኣማዕቢሎም

ኣብ ልዕሊ ተቐማጦ ከተማ ስቶክሆሎም ዝግበር መርመራ ጸረ ኣካል፡ ንመበል ሻድሻይ ሰሙን፡ ኣወንታዊ ውጽኢት ምምዝጋቡ ጋዜጣ ዳግነዝ ነሂተር ገሊጹ።

ኣብ መበል 47 ሰሙን፡ ካብቶም መርመራ ጸረ ኣካል ዘካየዱ 15000 ሰባት እቶም 31.6% ጸረ ኣካል ኮሮና ቫይረስ ዘማዕበሉ ምዃኖም እቲ ውጽኢት ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ሳምንታት፡ መጠን ብዝሒ ናይቶም ጸረ ኣካል ዘማዕበሉ ሰባት፡ ብቐጻሊ እናዓበየ ክመጽእ ምጽንሑ ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ዘሎ ኩነታት ንምፍላጥ ግን እኹል ከምዘይኮነ ኣብ ዮኒቨርስቲ ካሮሊኒስካ ሓላፊ ክፍሊ ምርምር፡ ክላስ ሮስ፡ ገሊጹ።

ብዙሓት ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከቡ ነበርቲ፡ መርመራ ኮሮና ቫይረስን ጸረ-ኣካልን ከካይዱ ስለዝደልዩ፡ ኣብ መስርሕ መርመራ ጸቕጢ ብምፍጣሩ፡ ንልዕሊ 48 ሰዓታት ክትጽበ ዝግድድ ኩነታት ይፈጥር ምህላዉ ተፈሊጡ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com