Thursday , May 2 2024

ብዙሓት ካብ ስርሖም ዝተሰናበቱ ሰባት፡ ሞያ ስርሖም ንክቕይሩ ድልየት ኣለዎም ተባሂሉ

ብሰንኪ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ካብ ስራሖም ዝተሰናበቱ ሰባት፡ ሞያ ስርሖም ንኽቕይሩ ድልየት ከምዘለዎም ሓድሽ መጽናዕታዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ካብ ስርሖም ዝተፋነዉ ኮይኖም፡ ሞያ ስርሖም ንኽቕይሩ ንዝደልዩ ሰባት ዝሕግዝ ቤት ጽሕፈት TRR፡ ኣብዚ ዓመት ዝቐረበሉ ጠለብ ብ47% ከም ዝወሰኸ ሓቢሩ።

ካብቶም ካብ ስርሖም ዝተሰናበቱ ሰባት፡ እቶም 20%፡ ክመሃሩ ከምዝመረጹ እቲ መጽናዕቲ ሓቢሩ። እቶም ክመሃሩ ዝመረጹ ሰባት፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 40 ክሳብ 45 ዝርከቡ ኮይኖም 68% ደቂ ኣንስትዮ እየን። ካብዞም ንኽምሃሩ ዝመረጹ ሰባት ድማ፡ እቶም 71%፡ ካልእ ሞያ ስራሕ ክመሃሩ ከምዝደልዩ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ።

እዞም ሰባት፡ ኣብ ባህሊ፡ ዲዛይን፡ መጓዓዝያ፡ ጽዕነትን ምስ ናይ ምስናዕን ምፍብራክን ርክብ ዘለዎም ዓውድታት ክመሃሩ ዝደልዩ እዮም።

እቶም ክርከቡ ዝኽእሉ ዝበዝሑ ትምህርታዊ መዳያት፡ ምስ ምሕደራ ስራሕ፡ ምሕደራ ንግዲ፡ ሓለዋ ጥዕና፡ ሕክምና፡ ምምህርናን ስነ ልቦናን ዝተሓሓዙ እዮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com