Sunday , May 5 2024

ብዝሒ ህዝቢ ኖርወይ ካብ 5 ሚልዮን ፈረቓን ይልዕል

ኖርወይ ን ዓመተ 2024 ብወግዓዊ ብዝሒ ህዝቢ 5,550,203 ከም ዘጀመረቶ ተፈሊጡ። እዚ ካብ’ቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን ቁሩብ ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። እዚ ይዂንምበር ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሰሜናዊ ጠረፍ እታ ሃገር ስደት እንተዘይህሉ ቊጽሪ ህዝቢ ምንካይ መጋጠሞ ኔሩ። ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኖርወይ እታ ሃገር ናይ 61,219 ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ከምዘርኣየት ገሊጹ’ሎ። እዚ ካብቲ ኣብ መጀመርታ 2023 ዝተገልጸ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ቁሩብ ምንካይ እኳ እንተነበረ፡ ካብ ዩክሬን ብዝመጹ ዝለዓለ ቊጽሪ ስደተኛታት ነዚ ኣሃዝ ዓብዪ ኣበርክቶ ምግባሩ ተመልኪቱ። SSB ዓሚ 51,980 ልደት 43,803 ከኣ ሞት ብምምዝጋብን ክሳብ ባሕቲ ጥሪ 8,177 “ተወሳኪ ኣሃዝ” ከምዝተረኽበ ጸብጺቡ’ሎ። ጠቕላላ ብዝሒ ስደት 86,589 ኮይኑ፥ 34,011 ዝኾኑ ኸኣ ካብ ኖርወይ ከም እተሰደዱ ተፈሊጡ። እቲ ፍልልይ ምስ ብዝሂ ልደት ተደሚሩ፡ ሓፈሻዊ ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ 61,219 ኣመዝጊቡሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com