Thursday , May 2 2024

ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ሰባት፡ ዝተሓተ ኮይኑ

ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ሰባት፡ ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን እናተሓተ ይመጽእ ምህላዉን ካብ ወርሒ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንመጀመርያ ግዜ እቲ ቁጽሪ ናብ 450 ሽሕ ምጉዳሉ ቤት ጽሕፈት ኣርቤትስፎርሜድሊን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ መላእ ሽወደን፡ ተመዝጊቦም ዝጸንሑ ብዝሒ ስራሕ ኣልቦ ሰባት፡ 446,800 ምንባሩን ካብቲ ኣብ ቅጽሚኡ ዝነበረ ሰሙን፡ እቲ ቁጽሪ ብ3500 ጎዲሉ ምንባሩ ይዝከር። በዚ ድማ፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣብ 8.6%  ክኸውን ክኢሉ።

ኣብዚ ሰሙን’ዚ፡ 7 ሽሕ ስራሕ ኣልቦ ሰባት ክምዝገቡ እንከለዉ፡ 10 ሽሕ ሰባት ድማ ናብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ከምተመልሱ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ 449 ሰባት፡ ካብ ስራሕ ንኽፋነዉ መጠንቀቕታ ከምዝተዋህቦምን ብድምር ኣብ ወርሒ መጋቢት ጥራይ፡ 1948 ሰባት መጠንቀቕታ ከምተዋህቡ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com