ኣብ ካሊንገ፡ ብሌኪንገ ካውንቲ ኣብ ዝተበከለ ማይ ቧንቧ ንኬሚካላት PFAS ዝተቓልዑ ሰባት፡ ካሕሳ ክኽፈሉ መሰል ኣለዎም። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ነዚ ውሳነ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ሕጂ መጠን ዕንወት ንምውሳን ተወሳኺ መስርሕ ይጽበ ኣሎ።