Friday , May 3 2024

ቫይረስ ኮሮና፡ ካብ እንስሳታት፡ ብባህርያዊ ኣገባብ ከም ዝተመሓላለፈ ተሓቢሩ

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ቻይናዊት ከተማ ዊሃን ብኸመይ ክመሓላለፍ ክኢሉ ንዝብል መጎት ብዝምልከት ንምምርማር ክኢላታት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ዝካየዶ መጽናዕቲ፡ እቲ ቫይረስ፡ ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ከም ዝተመሓላለፈ ኣረጋጊጾም። እዚ ይዂንምበር እቲ ቫይረስ ናብ ሰብ ቅድሚ ምሕላፉ እተዓቖበሉ ናይ መወዳእታ እንስሳ እየናይ ምዃኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን ከምዝበሉ ሬድዮ ኤኮት ሓቢሩ።

እቶም ክኢላታት ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ቫይረስ፡ ቅድሚ ወርሒ ታሕሳስ 2019፡ ኣብታ ሃገር ኣስፋሕፊሑ እዩ ንዝብል ጸብጻባት ነጺጎሞ ኣለዉ።

ምስ ቻይና ድሕሪ ዝነበረ ዘይምቅዳው፡ ኣቓልቦ ዓለም፡ ሎሚ በታ ቻይናዊት ከተማ ዊሃን ተጠሊፉ ምህላዉን እቲ ቫይረስ ብኸመይ ናብ ሰብ ክሓልፍ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ጸብጻብ ክኢላታት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ይጽበዩ ምህላዎምን ተገሊጹ።

እዚ ይኹንምበር፡ ሰብመዚ ቻይና ነቶም ክኢላታት ዝድለ ነጻነት ከም ዘይሃብዎም ተገሊጹ። እቶም ክኢላታት ዛጊት ምስ ሰብመዚ ቻይና ተራኺቦም ናብ ከተማ ዊሃን እንተላይ ዕዳጋ እንስሳ እውን ምብጻሕ ፈጺሞም ኣለዉ።

እቲ ቫይረስ ቅድም ህላዌኡ ብዕሊ ምርግጋጹ፡ ክልተ ሳምንታት፡ ኣቐዲሙ ኣስፋሕፊሑ ክኸውን ከም ዝኽእል ክኢላታት ገሊጾም ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ቅድሚ እዚ ዝተባህለ ግዜ፡ እቲ ቫይረስ ኣብታ ከተማ ኔሩ እዩ ንዝብል መግለጺ፡ ሰብ መዚ ቻይና ነጺጎሞ ኣለዉ።

እቲ ለበዳ ቫይረስ ኣብ ዕዳጋ እንስሳ ዉሃን ኣብ ዝተራእየሉ እዋናት፡ ኣብ ካልእ ዕዳጋታት ውን ከም ተራእየ ይፍለጥ። ነዚ ምርኩስ ብምግባር፡ እቶም ክኢላታት፡ እቲ ቫይረስ ካብ ዕዳጋታት ዉሃን እዩ ጀሚሩ ንዝብል መደምደምታ ዝኸውን እኹል መርትዖ ከምዘይረኸቡ ገሊጾም።

ክኢላታት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ምስ ቻይና ድሕሪ ዘካየድዎ ብዙሕ ዘተታት ብ 4 ጥሪ ናብ ዉሃን ምብጽሖም ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪ ክልተ ሳምንታት ናይ ውሸባ ግዜ፡ ድማ ኣብ መወዳእታ ጥሪ መርመራኦም ምጅማሮም ይዝከር።

ኣቐዲሞም ተመራመርቲ ኣብ ዝገበርዎ መርመራ እቲ ቫይረስ ምናልባት ካብ መንካዕ ተበጊሱ ናብ ካልኦት መጥበውቲ ከም እተሰጋገረ ክዛረቡ ጸኒሖም እዮም። ነቲ ዕዳጋ ንሓደ ሰዓት ክበጽሑ እተፈቕደሎም ክኢላታት ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ነዚ መደምደምታ ክህቡሉ ዘኽእሎም ጭብጢ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ማዕከን ዜና TT ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com