Friday , May 3 2024

ተመሃሮ ወጻኢን ተመራመርትን ናይ ባንክ ሕሳብ ይኽልከሉ ኣለዉ

Credit: isabell Höjman

ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወጻእተኛታት ተማሃሮን ተመራመርትን ብዙሕ ግዜ ናይ ባንክ ሕሳብ ከም ዝኽልከሉ ብቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። “እዚ ምኽልካል ሕሳብ ባንክ ነቶም ተመሃሮን ተመራመርቲን ጥራይ ዘይኮነ ነተን ትካላት ትምህርቲ እውን ብዙሕ ጸገማት የምጽእ ኣሎ” ክብል ማግነስ ሆርቦርተን ካብ ቤት ምክሪ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሽወደን ይገልጽ። “እዚ ኲነታት ሽወደን ኣብ ኣህጒራውያን ተመሃሮን ተመራመርቲን ዝጸንሓ ጽቡቕ ስም ዝብርዝ እዩ” ይብል ሆርቦርተን።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ካብ 10 ኣህጒራውያን ተመሃሮ እቶም 8 ካብ ተመራመርቲ ኸኣ እቶም 7 ሕሳብ ባንክ ኣብ ምኽፋት ይሽገሩ ምህላዎም ኣጣሊሉ’ሎ። “ነቶም ናይ ባንክ ሕሳብ ወይ ባንክ-ኣይዲ ዘለዎም ኣዕሩኽተይ ክኸፍሉለይ ክሓቶም ኣለኒ” ይብል ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ትካል ቴክኖሎኢ KTH Royal ዝመሃር ሪቻርድ። ንሱ ኣብ ሽወደን ኣስታት ዓመት ኣቢሉ ይጽናሕ እምበር ክሳብ ሕጂ ናይ ባንክ ሕሳብ የብሉን። ተመሃሮ ናይ መምሃሪኦም ገንዘብ ኣውጺኦም ክኸፍሉ ይኽእሉ ዘይምህላኦም ንመስርሕ ምምሃር እተን ትካላት ኣሽጋሪ ጌርዎ’ሎ። በዚ ድማ ተመሃሮ ካብ ዓዶም ሒዞሞ ዝመጹ ገንዘብ ኣብ ፍርናሽ ከቐምጡ ይግደዱ ኣብ ልዕሊ ምህላዎም ዩኒቨርሲታት ንተመራመርቲ ዝግብኦም ደሞዝ ክኸፍላ ይኽእላ ዘይምህላወን ተመልኪቱ። ኲሉ ኣብ ሽወደን ሕጋዊ ናይ ምንባር ፍቓድ ዘለዎ ሰብ ሕሳብ ባንክ ናይ ምውጻእ መሰል ኣለዎ።

እንተኾነ ግና ብሰንኪ ኣብ ሽወደን እናወሰኸ ዝመጸ ስግኣታት ግብረሸበራ፥ ንእኡ ዝግበር ፋይናንሳዊ ምወላን ዝይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ባንክታት ብዛዕባ ድሕረ ባይታ ተጠቀምቲ ባንካ ድቕቕ ዝበለ ፍተሻ ክገብራ ተጽዕኖ ስለዘለወን እዚ ኲነታት ክፍጠር ከም እተኻእለ ይእመን። ሬድዮ ሽወደን ነዚ ጒዳይ ኣመልኪታ ንዓበይቲ ባንካታት ሽወደን፥ ኖርድያ፥ ስወድባንክን ሃንድልስባንከን ሕቶ ኣቕሪባ ኔራ። ኣካየድቲ እዘን ባንካታት ንዂሎም ኣህጒራውያን ተመሃሮን ተመራመርቲን ከአንግዳ ድሉዋት ምዃነን እኳ እንተገለጹ ቃለመሕትት ንኽገብሩ ግና ፍቓደኛታት ኣይኮኑን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com