Sunday , May 5 2024
Foto: Jonas Ekströmer / TT kod 10030

ተቓዋሚ ሰልፊታት ንባጀት ጽድያ “ዓበይቲ ሽግራት ዘይፈትሕ እዩ " ክብላ ነቒፈናኦ።

ተቓወምቲ ሰልፊታት ነቲ መንግስቲ ትማል ሰሉስ ዘውጽኦ ባጀት ጽድያ ብብዙሕ መልክዓቱ ይነቕፍኦ ምህላወን ይግለጽ ኣሎ። ሰልፊ ሞደራትና ከምኡ’ውን ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ምስ ሰልፊ ዴሞክራትና ብዛዕባ ኣማራጺ ባጀት ይላዘባ ምህላወን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ሰልፊ ሊበራል ኣካል ናይዚ ልዝብ ድዩ ዝብል ገና ኣይተፈልጠን ኣሎ። ሰልፊ ማኣከላይ ነቲ ውሕሰንት እተዋህበሉ እማመ ጒዳይ ወሰኽ ዝነኣሰ ጡረታ ኣመልኪቱ ሓደ ሰብ ክሳብ ክንደይ ሰሪሑ ንዝብል ኣብ ግምት ዘየእቱ እዩ ክብል ነቂፍዎ’ሎ።.


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com