Monday , May 6 2024

ተወሰኽቲ ኣባላት ፖሊስ ናብ ከተማ ማልሞ ይምደቡ።

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ምሉእ ሽወደን ኣንጻር ዝተወደቡ ገበናት ንምፍጣጥ ሃገራዊ ፖሊስ ብስም ሪምፍሮስ (Rimfrost) ዘበገሶ ስርሒት ንምቕጻልን ናይ ጸጥታ ኩነታት ንምቁጽጻርን ኣንጻር ናይ ገበን ጉጅለታት ንምቅላስን ተባሂሉ ተወሰኽቲ ኣባላት ፖሊስ ናብ ከተማ ማልሞ ከምዝኣተዉ ጋዜጣ ሲድቨኒስካን (Sydsvenskan) ሓቢራ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘጋጠመ ሞት ናይ ወዲ 15 ዓመት መንእሰይ ጃዕፈር መሓመድን ብኸቢድ ዝቖሰለ ዓርኩን፡ ፖሊስ’ቲ ከባቢ ነቲ ኣጋጢሙ ዝቐነየ መጥቃዕታት ንምፍጣጥ ጻዕርታቱ ኣኽቲቱ ኣንጻር እቲ ምንጪ እቶት ናይ ገበን ጉጅለታት ዝኾነ ኣብቲ ከተማ ዝካየድ ናይ ዕጸፋርስ ንግዲ ክቃለስ መዲቡ ኣሎ። ብመሰረት ዝተጠቕሰ ስርሒት፡ ካብ 20 ክሳብ 40 ዝኾኑ ተወሰኽቲ ኣባላት ፖሊስ ናብ ከተማ ማልሞ ከምዝኣተዉ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ደቡብ፡ ስቲፋን ሲንትዮስ፡ ንጋዜጣ ሲድቪኒስካን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com