Saturday , May 4 2024

ተጓዓዝቲ ኦረሱንድ ተፍቲሽ መንነት ክግበረሎም እማመ ይቐርብ

Credit: Anna Bubenko/Sveriges Radio.

መንግስቲ ሽወደን ኣብ መላእ ኡረሱንድ ንዝርከቡ ባቡራት፡ ኣውቶቡሳትን ጀላቡን ንተጓዓዝቲ ወረቀት መንነት ክሓቱ ከምኡ’ውን ሕጋዊ መለለዪ መንነት ዘይብሉ ሰብ ናብ ሽወደን ከይኣቱ ክኽልክሉ ስልጣን ክህልዎም ዝብል እማመ ኣቕሪቡ። ስደት ዘምጽኦ ስግኣታት ሃገራዊ ድሕነት ምኽንያታት ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ 2016ን 2017ን ኣብ ኦሬሱንድ ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ፍተሻ መንነት ምካያዱ፡ ሕጂ ድማ እቲ ጠለብ ዳግማይ ክልዓል ከም ዝኽእል ተገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ግና እዚ እማመ ኣብቶም ብስራሕ ኣንዊሖም ዝጓዓዙ ሰባት ቅረታ ፈጢሩ’ሎ። ሓደ ካብዚኦም ካብን ናብን ማልሞን ኮፐንሃገንን መዓልታዊ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ጉዕዞ ዘካይድ ሻህድ ሑሴን ኮይኑ፡ “እዚ ንኣይ ሕማቕ ዜና እዩ” ክብል ን ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com