Saturday , May 4 2024

ቲግኒል፡ ምዝላቕ ቀይድታት ሕብረተሰብ ኤውሮፓ፡ ጠንቂ ካልኣይ ማዕበል ኮሮና ክኾኑ ይኽእሉ እዮም

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኣውሮጳ እንተላይ ካታሎንያን ጋልሲያን ዝተባህላ ኣውራጃታት እስፓኛ የስፋሕፍሕ ኣሎ። ኣማኻሪ ጉዳያት ተመሓላለፍቲ ሕማማት ሽወደን፡ ኣንድረስ ቲግኔል፡ ” እዚ ሓድሽ ምስፍሕፋሕ ኮሮና ምስ ምዝላቕ ኣብ ልዕሊ ሕብረተሰብ ጸኒዖም ዝጸንሑ ቀይድታት ዘጋጠመ እዩ” ክብል ገሊጹ’ሎ።

እዚ ዘስተውዓለት ቤልጂም ነቶም ኣዝሊቓቶም ዝነበረት ቀይድታት ደጊማ ብምጽናዓ፡ ቁጽሪ ሕሙማት ኣብ ምንካይ ትዕወት ምህላዋ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሃገራት ኣውሮፓ ዘካይደኦ ዘለዋ ምዝላቕ ቀይድታት፡ ምኽንያት ምስፍሕፋሕ ኮሮና እዩ ክብል ዘስመረሉ ቲግኔል፡ ለበዳ ኮሮና ኣብ ስቶክሆልም፡ ድሕሪ ዝነበረ ስፖርታዊ ዕረፍቲ፡ ኣብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ ሳምንታት ዘሎ ግዜ ምስ ጸንሐት ከምተራእየ ኣዘኻኺሩ። ብዙሓት ወገናት፡ እቲ ለበዳ ኣብ ውሽጢ ሓደ ክሳብ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ምዝላቕ ሕግታት ከምዘጋጠመ ክዛረቡ እንከለዉ እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይነበረን ክብል ገሊጹ።

እዚ ስለዝኾነ፡ ሽወደን ቅኑዕ ስትራተጂ ተኸቲላ ናብ ዝብል ትንተና ክኣቱ ከም ዘይደሊ እዩ ቲግኔል ዝሕብር።

ጎዳኢ ሳዕቤናት እዚ ሕማም ዝዕገተሉ ሞዴል ኣብ ምንዳይ ኢና ተጸሚድና ዘሎና። ኣብ ሓደ ሃገር ዝሰርሕ ሞዴል ኣብ ኩሉ ይሰርሕ እዩ ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ኣብ ክንዲ ምስ ካልኦት ምውድዳር ምስ ክውንነትና ዝሰማማዕ ሞዴል ኢና ክንነድፍ እንድሊ” ኢሉ።

ሓደ ሕብረተሰ ኣብ ዕጽዋ ጸኒሑ እንክኽፈት ኣሸገርቲ ነገራት ምምጽኦም ኣይተርፍን ድሕሪ ምባል  እዚ ሕማም ካልኣይ ማዕበል ለበዳኡ ኣብ ኣውሮጳ ጀሚሩ ንምባል ግና ገና ግዜኡ ኣይኣኸለን ኢሉ።

ከም በዓል ጀርመን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ውሽጣዊ ለበዳ ተራእዩወን እዩ። ኣብ ቤልጂም ድማ፡ ኣብ ፍሉይ ዞባ ዘይተሓጽረ ምስፍሕፋሕ ኣርእዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ እዚ ካልኣይ ማዕበል ድዩ ወይስ መቐጸልታ ናይቲ ቀዳማይ ማዕበል እዩ ኢልካ ንምድምዳም የሸግር እዩ” ክብል ቲግኔል ዘረብኡ ዛዚሙ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com